Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

idol worship


ዘጸአት 20:1-15 | 13 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕልመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳንኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርኣይትቕተልኣይትዘሙኣይትስረቕ

Translation | Context
ዘጸአት 20:1-10 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕልመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ

Translation | Context
ሮሜ 1:25 | 5 Helpful votes

ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜንንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉንኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም

Translation | Context
ዘሌዋውያን 26:1 | 4 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:20-21 | 4 Helpful votes

ኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበርንኣምላኽ ኣይኰነንምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:5 | 4 Helpful votes

ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ

Translation | Context
ማቴዎስ 4:8-10 | 3 Helpful votes

ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱመንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይእዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕሰይጣንበሎ

Translation | Context
መዝሙር 115:4-8 | 3 Helpful votes

ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ። ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡንኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩንእዝኒ አለዎም፣ ኣይሰምዑንኣፍንጫ አለዎም፣ ኣየጨንዉንኢድ አለዎም፣ ኣይድህስሱንእግሪ አለዎም፣ ኣይከዱንብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን። እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:23 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

Translation | Context
ኢሳይያስ 44:6-20 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄርንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብልቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን። ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝሰረትኩሉ ጊዜ ጀሚሩ፡ ከማይ ዚጽውዕ መን እዩ፧ እስከ ይዛረብ እሞ ይንገረኒነቲ ዚመጽእን ዚኸውንን ይንገሩ። ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ቀደምዶ ኣየስማዕኩኻን ኣይነገርኩኻንዶኸ፧ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ብጀካይዶ ኣምላኽ አሎ እዩ፧ ካልእ ከውሒ የልቦን፡ ገለ እኳ ኣይፈልጥን። እቶም ጣኦታት ዚሰርሑ ዂሎም ከንቱ እዮም፡ እቶም ፍትዋቶም ከኣ ገለ እኳ ኣይጠቕሙንእቶም ምስክሮም ድማ ኣይርእዩን ኣየስተውዕሉን፡ ስለዚ ኺንውሩ እዮም። ገለ እኳ ዘይጠቕሞስ ኣምላኽ ዝሰርሔ፡ ምስሊውን ብፍሲ ዝገበረ መን እዩ፧ እንሆ፡ ኲሎም መተዓይይቱ ኺንውሩ እዮም፡ እቶም ሰራሕቲ ኸኣ ሰብ እዮም። ኲሎም ይተኣከቡን ይቕረቡንኪስምብዱን ሐቢሮም ከኣ ኪንውሩን እዮም። ስራሕ ሓጺን ምሳር ይስርሕ፡ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፡ ብሞደሻ ይቕጥቕጦብሓይሊ ቕልጽሙ ይዐዮ፡ ይጠሚ እሞ ይደክምማይ ኣይሰትን እሞ ይሕለልጸራቢ ገመድ ይግትርብመንደፊ ይነድፎ፡ ብመንደል ይነድሎ፡ ብመመዓራረዪ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት ኪነብር እዩ እሞ፡ ከም መልክዕ ሰብከም ውቁብ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ። ኦም ሊባኖስ ይቘርጽኣውሕን ኣልጌንን የምጽእካብ ኣእዋም ዱር ከኣ ይሐሪ፡ ጽሕዲ ይተክልዝናም ድማ የብቊሎእዚ ኸኣ ንሰብ ንምንዳድ ይጠቕሞ፡ ካብኡ ወሲዱ ይስሕነሉ፡ ኣንዲዱ ኸኣ እንጌራ ይስንክት፡ ምስናይ እዚውን ካብኡ ኣምላኽ ይገብር እሞ የምልኾምስሊ ይጸርብ እሞ ይሰግደሉ። እምበኣርሲ ፈረቓኡ ኣብ ሓዊ የንድዶበቲ ፈረቓኡ ኸኣ ስጋ የብስለሉ፡ ጥብሲ ጠቢሱ ድማ ይጸግበሉ፡ ይመውቚ እሞ፡ ኣሰይ እመውቚ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ አሎኹ፡ ይብል። ነቲ ዝተረፈ ድማ ምስሊ ቐሪጹ ኣምካኽ ይገብሮኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይጽልን። እዚኣቶምሲ፡ ከይርርእዩ ኣዒንቶምከየስተውዕሉ ድማ ልቦም ተደፊኑ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም። ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደንጓህሩ ድማ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ ኸኣ ጠቢሰ በላዕኩ፡ ነቲ ተረፉዶ ፍንፋን ክገብሮ፧ ንቚራጽ ዕጨይቲዶኸ ኽሰግደሉ እየ፧ ኪብልሲ ኣብ ልቡ ዚምለስፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የልቦን። ንሱ ሓመዂስቲ ይምገብነፍሱ ኸየናግፍ፡ እዚ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሶትዶ ኣይኰነን ከኣ ከይብልሲእተጠበረ ልቢ ኣጋገዮ

Translation | Context
ራእይ 9:20-21 | 2 Helpful votes

እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩወይስ ኪሰምዑወይስ ኪኸዱ ዘይከአሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን። ካብ ነፍሲ ምቕታሎምወይስ ካብ ኣስማቶምወይስ ካብ ምንዝርናኦምወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን

Translation | Context
ኢሳይያስ 46:5 | 2 Helpful votes

መዛኑ ኽንከውንሲ፡ ምስ መን እሞ ከተማሳስሉኒ ከተመዓራርዩንን ከተታኻኸሉንን ኢኹም፧

Translation | Context
ኢሳይያስ 46:6-10 | 2 Helpful votes

ወርቂ ኻብ ማሕፉዳ ይኽስክሱብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፡ ምስ ሰራሕተኛ ይዋዓዐሉ፡ ንሱውን ኣምላኽ ይሰርሕ፡ ንሳቶም ከኣ ይሰግዱሉን የማልኽዎን። ኣልዒሎም ኣብ መንኲቦም ይጾርዎ፡ ኣብ ስፍራኡ ኸኣ የንብርዎ፡ ኣብኡ ይቐውምካብ ስፍራኡውን ፍንሕንሕ ኣይብልን። ዝጸውዔ እንተ ጸውዔ፡ ኣይመልስን ካብ ጸበባኡውን ኣየድሕኖን። ነዚ ዘክሩ እሞ፡ ሰብኡት ኲኑ፡ ኣቱም ገበነኛታትኣብ ልብኹም ተመለሱኣነ ኣምላኽ እየብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ ኣነ እየ።

Translation | Context
ኤርምያስ 10:1-25 | 2 Helpful votes

ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱብትእምርትታት ሰማይውንኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮምጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ። ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ። ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም። ግናኸ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ሓቂህያው ኣምላኽ፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቚጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥንዂራኡ ኸኣ ህዝብታት ኣይጽመምዎን። እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ ኻብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን ኪጠፍኡ እዮም፡ ክትብልዎም ኢኹም። ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔድምጹ ምስ ዜስምዕማያት ኣብ ሰማይ ይሕንዝዝንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎመባርቕ ከኣ ንዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሐንኽከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ኪጠፍኡ እዮም። ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝደኰነ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ዘለዉ በዚ ግዜ እዚ ናብ ርሑቕ ክውንጭፎም፡ ክሳዕ ዚፍለጦምውን ከጽብበሎም እየ፡ ይብል አሎ እሞ፡ ኣቲ ተኸቢብኪ ዘሎኺ፡ ኣቓሑኺ ኣርኒብኪ ኻብ ሃገር ኣውጽኢ። ተወቒዔ እየ እሞ ወይለይቊስለይ የቐንዝወኒ አሎ። ኣነ ግና፡ እዝስ ስቓየይ እዩ እሞ እጽመሞ እየ፡ በልኩድንኳነይ ተበላሸወ፡ ኲሉ መገታተሪየይ ተበታተኸደቀይ ካባይ ወጹ፡ የለውን ከኣ። ሓደ እኳ ድንኳነይ ዚተክልመጋረጃይ ከኣ ዚሰቅል የልቦን። ጓሶት ተዐንዱንእግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዚ ኣይሰለጦምን፡ ኲለን መጓሴታቶም ከኣ ፋሕ በላ። እንሆ፡ ንኸተማታት ይሁዳስ ዑናን መሳፍሮ ወኻሩን ምእንቲ ኺገብረን ኢሉ ድምጽን ብርቱዕ ህማምን ካብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ አሎ። ጐይታየመገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ አሎኹ። ጐይታየቅጽዓኒ፡ ግናኸ ብልክዕ ደኣ። ምእንቲ ኸይተጥፍኣንስ ብቚጥዓኻ ኣይኰነን። ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ወሒጦምዎ፡ ወዲኦምዎማሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን ናብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌትን ደኣ ኽዐዎ

Translation | Context
መዝሙር 31:6 | 2 Helpful votes

ነቶም ናብ ከንቱነት ሓሶት ዚጽግዑ እጸልኦም እየ፣ ኣነ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እየ ዝውከል

Translation | Context
ዳንኤል 3:18 | 2 Helpful votes

ንጉስ፣ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፣ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይንምልኾም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፣ በልዎ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:22-31 | 2 Helpful votes

ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴናብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑእርእየኩም አሎኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም አሎኹ። እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።

Translation | Context